Könyv ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ (ክፋል ሓደ) (Tigrinya Editio Giorgis Andebrhan  Welde Giorgis

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ (ክፋል ሓደ) (Tigrinya Editio

Nyelv: Tigrinya
Kötés: Puha kötésű
Elérhetőség: Beszállítói készleten
Küldés 14-21 napon belül
8 158 Ft
ንዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ስለ'ዛ ብቑዕ መግለጺ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኲነታት ኣብ ኤርትራ እተስንቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዛዕባ መጻኢ ናይታ ምጭውቲ ሃገሩ...

Információk a könyvről

Nyelv
Tigrinya
Kötés
Könyv - Puha kötésű
Kiadva
2020
oldal
318
EAN
9781682352465
ISBN
1682352463
Enbook ID
33373408
Súly
474
Méretek
229 x 151 x 22

Teljes leírás

ንዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ስለ'ዛ ብቑዕ መግለጺ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኲነታት ኣብ ኤርትራ እተስንቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዛዕባ መጻኢ ናይታ ምጭውቲ ሃገሩ ኣገደስቲ ሕቶታት እተልዕል፡ ዚለዓለ ክብሪ ዚሓዘለ ትሕዝቶ ዘለዋን ኣዝያ ሓባሪትን መጽሓፉ ዮሃና እብሎ። ኣብቲ ነዊሕ ተመክሮኡ ከም ተጋዳላይ፡ ከም ላዕለዋይ መንግስታዊ ኣገልጋሊ፡ ከም ኣምባሳደርን ኣብቲ ሃብታም ተመክሮኡ ናይ ኣፍሪቃን ብምምርኳስ፡ ብውሕልነትን ጽፈትን'ዩ ጽሒፉዋ። 

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ መጻኢ ኪትውስን ኪትክእል ኣለዋ። ሓርነት፡ ሓላፍነት፡ ቍጽጽር ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድላ፡ ምሕዝነት፣ እዚኣቶም እቶም ወሰንቲ ሓሳባት ናይ'ቲ ሰሳንነት መስርሕ ልምዓት ንምርግጋጽ ዚሕግዝ ሓድሽ ራእይ ንኣህጕራዊ ምትሕግጋዝ ኢዮም። እቲ ህጹጽ ኣድላዪነት ምፍጣር ደሞክራስያዊ መንግስቲ ድማ ኣብ መላእ'ዛ መጽሓፍ ይንጸባረቕ። ብቑዕ ምሕደራ፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት፡ መትከላት ደሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ሰረት ናይታ መጽሓፍ ዘንጽፉ ኣገደስቲ ኣድማሳዊ ክብርታት ኢዮም።  

ዓንደብርሃን ሓደ ካብቶም ንልዝብ፡ ጽገናን ለውጥን ክፉታት ዚዀኑ ሰብ ራእይ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ ነቲ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታት ንምርዳእ እትሕግዝ መፍትሕ ኢያ። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናበኣሰ ዚኸይድን ነታ ክፍለዓለም ዓትዒቱ ሒዙ ንድሕሪት ዚጐትትን ዘሎ፡ ዚተሓላለኸን ብዛዕብኡ ውሑድ መረዳእታ ዘሎን ቅልውላው ንምልላይ ዓይኒ እትኸፍት ኢያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ነቲ ዞባ ንምርዳእ ድልዱል ምርምራዊ መሰረት ተንጽፍ፡ ንዚዀነ ንኣፍሪቃ ዚበለጸ መጻኢ ኪሃንጽ ዚደሊ ድማ ዓቢ መበገሲ ነቚጣ ተጣጥሕ። ስለ'ዛ ኣብ ኵሎም ኣፍቀርቲ ኣፍሪቃ ቦታኣ እትሕዝ ኣዝያ ክብርቲ መጽሓፉ ዮሃና እብሎ።

ሉዊ ሚሸል

ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ፣ ኤውሮጳዊ ኮሚሽነር ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን (2004-2009)፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት በልጁም (1999-2004)


Érdekelheti

Botanical Sketchbook

Mary Ann Scott
5 236 Ft

Věchi (Milníky)

Nikolaj A. Berďajev
833 Ft

Azok a vásárlók, akik ezt a könyvet megvásárolták, a következőket is megvásárolták

The Prague Double

Delray K Dvoracek
4 960 Ft
5 834 Ft
6 304 Ft
7 224 Ft
8 025 Ft

Zee Grows a Tree

Will Hillenbrand
5 383 Ft
3 925 Ft
2 568 Ft

Teapot Tree

PAMELA TUCK SCHAFER
5 807 Ft
4 638 Ft

Zen & Tea One Flavor

Aaron Daniel Fisher
5 646 Ft
6 129 Ft

Chicken Cheeks

Michael Ian Black
6 129 Ft
6 699 Ft

Cinemassacres

David Byron
10 606 Ft
4 127 Ft

Chemo Caps & Wraps

Connie Ellison
4 799 Ft

Necronomicon

Howard Phillips Lovecraft
13 265 Ft